ምድቓል ዓሌታት በጊዕ ኣብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ

By admin   ,   0000-00-00



ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ እቲ ዘሎ ናይ ክልልና ናይ ጤለበጊዕ ምህርታማነት ንምዕባይ ዝዓለመ ተግባራዊ ናይ ምድቓል ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ብዚ መሰረት ናይ ኣፅብን ኣበርገለን ከባቢ ዓሌት ኣባጊዕ ብምምፃእ ምስ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ዓሌት ዶርፐር በጊዕ ብምድቓል ዝሓሸ ድቓል ዓሌት ንምርካብን ናብ ተጠቐምቲ ንምቕራብን ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ዓሌት ዶርፐር እውን ብቐፃልነት ንምድቓል ንክጥዕም ዝዓለመ ናይ 100 ደም ዘለዎም ዶርፐር ምድቓል እውን እናሰርሓ ይርከብ፡፡ ንቐፃሊ እውን ካብ ራያ ይኩን ካልኡት ቦታታት ዝተፈላለዩ ከባቢ ዓሌት ኣባጊዕ ብምምፃእ ምስ ዶርፐር ናይ ምድቓል ስራሕቲ ንምስራሕ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

Read More

ምዕቃብን ምርምርን ዓሌታት በጋይት ጠለበጊዕን ከፍትን ኣብ ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ

By Admin   ,   0000-00-00



ማእከል ምርምር ሕርሻ ሑመራ እቲ ዘሎ ናይ ክልልና ናይ በጋይት ጤለበጊዕን ከፍትን ምህርታማነት ንምዕባይ ዝዓለመ ተግባራዊ ናይ ምዕቃብን ምርምርን ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ ብዚ መሰረት ዝሓሸ ጨገረት ዘለወን ናይ በጋይት ጤለበጊዕን ከፍትን ንምርካብን ናብ ተጠቐምቲ ንምቕራብን ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ 

Read More