Agricultural Growth Program (AGP II)


 

ሓፈሻዊ ገለፃ ንጥፈታት ምርምር

 

ደሳለኝ እምሩ(መተሓባበሪ)

 

መእተዊ

ፕሮግራም ዕብየት ሕርሻ ንቲ ናይ ሃገራዊ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ንምዕዋት ዝተሓንፀፀ መንግስታዊ ፕሮገራም ኾይኑ ኣብ GTP-1, AGP-1 ነይሩ ኣብ GTP-2 ድማ AGP-2 እናተተግበረ ይርከብ::

ኣብ ምርምር ሕርሻ ዝርከብ  AGP-2 ብ4ንኡሳን ክፋላት ማለት እውን

  1. ቴክኖሎጂ ብምምንጫው/ብምልማድ ምውፃእ
  2. እቶም ዝወፅኡ ቴክኖሎጂ ድማ ቕድሚ ንኤክስቴንሽን ምርካቦም ናይ ምፍላጥ ስራሕ ይሰርሕ
  3. ብተጠቀምቲ ተቐባልነት ዝረኸቡ ቴክኖሎጂ ንክባዝሑ ይሰርሕ
  4. ነዚ ንምፍፃም ድማ ናይ ዓቕሚ ምዕባይ ስራሕቲ ንተመራመርቲ፣ንተጠቀምቲ ሓረስቶትን ንሰብ ሞያን ንክወሃቡን በቲ በጀት ዝፈቕዶ ኣድለይቲ ናውቲ ንክማልኡን ይሰርሕ

ኣብዞም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብ AGP-2 በጀት ብ9ቲኤን ምርምር ማእኸላት ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ምርምር ዝተኻየዱ እንትኸውን ብተመራመርቲ ዝተሰርሑ ክጋፍሑ ዝግበኦም ብሉፃት ውፅኢታት ምርምር ንምሕባር ኣብ ናይ ሎሚ ክራማት ብተለቪዥን መራከቢ ሓፋሽ ትግራይን ድምፂ ወያነን ከም ዝተመሓላለፈ ዝዝከር እንትኸውን

ብቴክኖሎጂ ምምንጫው ወይ ድማ ብምልማድ

  • ኣብ ሰሊጥ- ሰቲት-2ተን ሰቲት-3ተን ዝተብሃሉ ዓሌታት ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ሑመራ
  • ኣብ ስርናይ ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ- ሃዲስን ሓደ ሓዱሸ ሽም ዘይተውሃቦ ዓሌት
  • ኣብ ናይ እንስሳት ቀለብ ድማ ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ሑመራ  2 ናይ ከባቢ ዓሌትን ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ሽረ-ማይፀብሪ 1ደ ዝተመሓየሸ መኖን ወፂኦም እዮም
  • ብክልቲአን ናይ ሓመድ ምርምር ማእኸላትና ማለት እውን ማእኸል ምርምር ሓመድ መቐለ ማእኸል ምርምር ሓመድ ሽረን ኣብ ጉዳይ ምጥን መዳበርያ ዘሎ ሳይንሳዊ መርገፂ ተሰሪሑ ኣብ ቐረባ ዝተጠናቐቐ ስራሕ ኣሎ

ብቴክኖሎጂ ምልማድ ድማ

  • ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ኣብ ጣፍ ኮራን ቦሴትን ዝተበሃሉ ዓሌታትኣብ ሽምብራ ኣርቲን ዳሎታን ዝተበሃሉ ዓሌታት
  • ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣላማጣ ድማ ኣብ ዓልቓይ በትሪ ዝብኢ ዝፃወር ሓሸንገ ዝተብሃለ ዓሌት ኣብ ስርናይ ድማ ኪንግ በርድ ዝተበሃለ ዓሌት ኣብ ናይ ቢራ ስገም ድማ ኢቦኒ ዝተበሃለ ዓሌት ምስ መቐለ ምርምር ማእኸል ብምትሕብባር ዝተሰርሐ ብሉፅ ስራሕ
  • ብማእኸል ምርምር ሕርሻ ሽረ-ማይፀብሪ ድማ ኣብ ማሽላ ብሰፊሑ ዝተሰርሐ ብሉፅ ስራሕ ኣብ ደቀባ፣መልካምን ጫሬን ዝተበሃሉ ዓሌታት
  • ምስ ዓሌታት ምልማድ ጎናጎኒ ድማ ናይ መካናይዜሽን ስራሕቲ ኣለው ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ሰፈር ደርሆ፣መሕቆኒ ፀባ ኣብ ናይ መስመር መዝርኢን መዕፀዲን ዝተጀማመሩ ዝራሕቲ ኣለዉ
  • ኣብ ምምሕያሽ ምህርቲ  ሓደ ኮኮክ ዝተበሃለ ዓሌት ደርሆ ተላሚዱ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ይርከብ

እዞም ዝተዘርዘሩ ስራሕቲ ክሳብ ሕዚ ዘውፃእናዮም ቴከኖሎጂታት እንትኾኑ

  • በቲ ካልአዋይ ናይ ስራሕ ከፋል ቕድመ ኤክስቴንሽን ምምፍላጥ ገሊኦም ብሰፊሑ ገሊኦም ድማ ብውሱን መልክዑ ዝተፋለጡን ዝተኣታተዉ ዘለዉን እዮም
  • ከም ኤጂፒ በቲ ሳልሳይ እንነጥፈሉ መዳይ ድማ እቶም ዝወፁ ቴክኖሎጂ ብውሱን መልክዑ ናይ መስራቲን ቅድመ መስራቲን ዘርኢን ቴክኖሎጂ ምብዛሕን ኣካይድና ኢና

ጎና ጎኒ ድማ ሳይንሳዊ ዝኮነ ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ንክበፅሕ ናይቶም ዝተወድኡ ቴክኖሎጂታት ብመልክእ ሕትመት 5ተ መፃሕፍቲ ተሓቲሞም እዮም ኣብዚ ዌብሳይት ምርካብ ይከኣል እዩ

http://www.tari.gov.et/index.php?page=manuals     http://www.tari.gov.et/index.php?page=preceedings

  • ናይቲ ፐሮገራም ከም ዓብይ ኣጀንዳ ዝሓዞ 4ይ  ክፋል ዝኮነ ናይ ዓቅሚ ምዕባይ ስራሕ ንምግላፅ ክሳብ ሕዚ 4 መኪና 3 ትራክተር ኢንኩቤተራትን 6 ግሪን ሃውስን ዓበይቲ ስራሕቲ ዝሰርሐ እንትኸው ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ከባቢ 68,000,000 ዝግመት ናይ ላቦራቶሪ ናውቲ ተዓዲጎም ኣብ ምእታው ይርከብ

ከም ሓበሬታ

  1. ከምቲ ዝተዘርዘረ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዋላካ እንተተሰርሑ ዝወፁ ዘለዉ ቴክኖሎጂታት ናብቲ ኣብዝሓ ተጠቃማይ ሓራስታ ንምግፋሕ ግን ሕዚውን ዝተርፎን ምንባብ ዘድልዮን እዩ
  2. እቶም ዝተሰርሑ ግሪን ሃውሳት(ኣብ ማይፀብሪ፣ራማን፣ካራ ዓድሽሁ) ድማ ናብ ስራሕ ንምእታው ናይ ኤሌክትሪክ መሰረተ ልምዓት ኣቅርቦት የድልዮም
  3. ናይ ምርምር ማእኸላት ድማ ናይ ባዕለን ናይ ዘርኢ መባዝሒ መሬት ይጠልባ ዓቅመን ንምዕባይ ድማ ናይ ባዕለን ኦፊስ ዝሰርሓሉ መሬት እውን የድልየን


 Back to research programs list